ናይ FAQ ሕቶታት

ብኢመይል ናብ info@hearheartolken.nl ክትሰዱልና ወይ ድማ ብ +31 (0)85 – 049 92 49 ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ CBR ፈተና ምስ ሓዝኩም፡ ካብ CBR ናይ መረጋገጺ ደብዳበ ይመጸኩም። እዚ ተርጓሚ ንኽንህብ ክትሓቱና ከለኹም ክትመልእዎ ዘለኩም ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ ካብ CBR(ሲቢኣር) ዝመጸ ደብዳበ፡ ቁጽሪ ተፈታኒ፣ ቦታ፣ ሰዓትን ዕለትን ክትረኽቡ ኢኹም።
እወ ካልእ ምግባር ኣየድልየኩምን እዩ። ብወገንና ተርጓሚ ንኸይንህብ ዝኽልክል ነገር እንተ ኣጋጢሙ፡ ብቕልጡፍ ክንረኽበኩምን ምስ CBR  ኣማራጺ ዕለት ክንደሊን ኢና። ግን ኣይትጨነቑ እዚ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።
ቅድሚ ኣብ CBR ፈተና ምሓዝኩም፡ ኣየኖት ቋንቋታት ኣብ ኣየናይ ቦታ ከም ዘለዉ ንምርኣይ ናብ መርበብ ሓበሬታና ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ዝደለኹሞ ውህደታት ምስ ረኸብኩም፡ ኣብቲ ናይ CBR(ሲቢኣር) ቦታ ፈተና ምዝገባ ግበሩ። ድሕሪኡ ሕቶኹም ከተቕርቡልና ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣብቲ ቦታ ድማ ተርጓሚ ክንህብ ኢና።
ናብ info@hearheartolken.nl ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ጽቡቕ ተርጓሚ ከም እንህብ ርግጸኛታት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንሱ እዩ ስራሕና። ኩሎም ተርጎምትና ኣገልግሎቶም ብስሩዕ ይህቡ፣ ስልጠና ዝወሰዱን/ወይ ድማ ከም ተርጓሚ ቃለ መሓላ ዝፈፀሙን እዮም። ነገራት ኩሉ ግዜ ብዘይ ገለ ጸገም ክኸዱ ከምዘይክእሉ ግና ርዱእ እዩ። ደሓር ከኣ ኩላትና ሰባት ኢና። ስለዚ ኣብ ምጅማር ፈተና እቲ መርማሪ ዝኾነ ስጉምቲ ምእንቲ ክውሰድ ንሶምን እቲ ተርጓሚን ንሓድሕድኩም ከምተረዳዳእኩም ሕቶ ክሓትት እዩ። እቲ ፈተና ምስ ተጀመረ ካልእ ተርጓሚ ክምደበልኩም ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ሕጉሳት እንተዘይኮይንኩም፡ ድሕሪኡ ብቕልጡፍ ኣፍልጡና። ድሕሪኡ ምሳኻትኩም፤ተርጎምትን CBRን ብምምኽኻር ነቲ ጸገም ክንፈትሖ ንኽእል ድዩ ኣይንኽእልን ክንዘራረብ ንኽእል።
ኣይፋልን! አይክአልን። እቲ ተርጓሚ ገለልተኛ ከምዝኾነ ዝእውጀሉ ማሕላ ይፍጽም እዩ። ካብ ዝተመርጻ ሃገራት ይመጹ ድዮም ኣይመጹን ኣገልግሎት ትርጉም ኣብ ዝህቡሉ እዋን ዝፈጥሮ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ። ሓደ ተርጓሚ ብፍሉይ ቋንቋ ይዛረብን ይስልጥንን፣ ካብታ ንሳቶምን/ወይ ንስኻን ዝመጻእካላ ሃገር ነጻ እዩ። መመልከቲኹም  ኣብ እትመልእሉ እዋን ኩሎም እቶም ዘለዉ ቋንቋታት ክትረኽቡ ኢኹም።
ኣይፋልን! አይክአልን። እቲ ተርጓሚ ገለልተኛ ከምዝኾነ ዝእውጀሉ ማሕላ ይፍጽም እዩ። ካብ ፍሉያት ዞባታት ይመጹ ድዮም ኣይመጹን ኣገልግሎት ትርጉም ኣብ ዝህቡሉ እዋን ዝፈጥሮ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ። ሓደ ተርጓሚ ብፍሉይ ቋንቋ ይዛረብን ይስልጥንን፣ ካብቲ ንሳቶምን/ወይ ንስኻን ዝመጻእካሉ ዞባ ነጻ እዩ። መመልከቲኹም  ኣብ እትመልእሉ እዋን ኩሎም እቶም ዘለዉ ቋንቋታት ክትረኽቡ ኢኹም።
ኣይፋልን! አይክአልን። ሓደ ተርጓሚ ብሓደ ቋንቋ ይዛረብን ይስልጥንን። መመልከቲኹም  ኣብ እትመልእሉ እዋን ኩሎም እቶም ዘለዉ ቋንቋታት ክትረኽቡ ኢኹም።
እዚ ቅድሚ ፈተና ምውሳድኩም እንተወሓደ 14 መዓልታት ክትገብሩዎ ኣለኩም።
ነቲ ፈተና ባዕልኹም ኣብ ግቡእ ግዜ እንተሰሪዝኩሞ (ቅድሚ ፈተና ክልተ ናይ ስራሕ መዓልታት)፡ ገንዘብኩም ክተምልሱ ኢኹም። ቅድሚ ፈተና ሓደ መዓልቲ ከምዚ እንተገይርኩም 50% ክምለሰልኩም እዩ። ኣብታ ፈተና ዝግበረላ መዓልቲ እንተሰሪዝኩሞ ወይ ውን እንተዘይተሳቲፍኩም ዝኾነ ገንዘብ ኣይምለሰልኩምን እዩ።
ኩሉ ግዜ ከም ስሞም ወይ ዕለት ልደቶም ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ለውጥታት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም (ንሞያዊ ፈተናታት)። ነቲ ለውጢ ዝሓዘ ኢ-መይል ናብ info@hearheartolken.nl  ይስደዱ። ኣስተውዕሉ፡ እቲ ሓድሽ ዕለት ካብቲ ዝተሓበርናሉ ዕለት እንተወሓደ ድሕሪ 14 መዓልታት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ነቲ ዕለት ምቕያር ዝከኣል።
ሕቶኹም ዝሓዘ ኢ-መይል ናብ info@hearheartolken.nl ይስደዱ። ኣስተውዕሉ፡ እቲ ሓድሽ ዕለት ካብቲ ዝተሓበርናሉ ዕለት እንተወሓደ ድሕሪ 14 መዓልታት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ነቲ ዕለት ምቕያር ዝከኣል።
ጽቡቕ ሕቶ። እወ ምሳና ተርጓሚ ክትሕዙ ኣለኩም። ኣብ CBR ኣብ መፈተኒ ቦታ ናይ ምዝዋር ክልሰ ሓሳብ ፈተና ትሕዝ። ኣብዚ እዋን እዚ ተርጓሚ ከም እትደሊ ትሕብር። ብድሕሪኡ ፈተና ክትገብርሉ እትኽእል ፍሉይ ቦታ ይወሃበኩምን እቲ ተርጓሚ ኣገልግሎቶም ክህብኹምን እዮም። እዚ ማለት ግን ተርጓሚ ሒዝኩም  ኣለኹም ማለት ኣይኮነን። ኣብ CBR ፈተና ድሕሪ ምሓዝኩም፡ ንእቲ ፈተና ዝኸውን ተርጓሚ ክንህብ ትሓቱና።
ኣይፋልን! አይክአልን። እዚ ብሓደ መንግስታዊ ትካል ዝካየድ ወግዓዊ ፈተና እዩ። ቅንዕና፣ ገለልትነትን ጽሬትን ንምርግጋጽ ብኣና ኣቢሎም ዝተሓዙ ቃለ መሓላ ዝፈጸሙ ተርጎምቲ ጥራይ እዮም ክጥቀሙ ዝኽእሉ።
ኣይፋልን! አይክአልን። ግደ ሓቂ ኣየናይ ተርጓሚ ከም ዝምደብ ኣቐዲምና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ንስኹምን እቲ ተርጓሚን ኣቐዲምኩም ክትዛረቡ ወይ ክትራኸቡ ስለዘይፍቀደኩም እዩ። እዚ ወግዓዊ ፈተና ስለዝኾነ፡ እቲ ተርጓሚ ገለልተኛ ምዃኑ ንCBR ውሕስነት ክንህብ ንግደድ። ከምኡ’ውን ዝኾነ ይኹን መልክዕ ዝምድና ከይፍጠር ንደሊ፡ ንኣብነት ፍሉይ ተርጓሚ ከም እትደልዩ እንተ ኣመልኪትኩም።
ኣይፋልን! አይክአልን። እዚ ኣብ መንግስታዊ ትካል ዝግበር ፈተና እዩ። ብናይ  መንግስታዊ ሕጊ  ዕድጊት መሰረት ብምግባር እዚ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። እቶም CBRን ተፈተንትን ምሳና ተርጓሚ ክሕዙ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ እዚ ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎ፣ ቃለ መሓላ ዝፈጸመን ዘተኣማምንን ተርጓሚ ከም ዝህልወካ ውሕስነት ይህበካ እዩ።
ኣብ CBR ንናይ ምዝዋር ክልሰ ሓሳብ ፈተና ኣብ መፈተኒ ቦታ ትሕዙ። ኣብዚ እዋን እዚ ተርጓሚ ከም እትደልዩ ትሕብሩ። ብድሕሪኡ ፈተና ክትገብሩሉ እትኽእሉ ፍሉይ ቦታ ይወሃበኩምን እቲ ተርጓሚ ኣገልግሎት ክህበኩምን እዩ። እዚ ማለት ግን ተርጓሚ ሒዝኩም ኣለኹም ማለት ኣይኮነን። ኣብ CBR(ሲቢኣር) ፈተና ድሕሪ ምሓዝኩም፡ ንእቲ ፈተና ዝኸውን ተርጓሚ ክነዳልው ትሓቱና።