ንኣብያተ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና

ተማሃሮኹም ተርጓሚ ንኽሓቱ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። ንተማሃራይኩም ተርጓሚ ክትሓቱ እንተደሊኹም፣ ከምቲ ናይቲ ተፈታናይ ተመሳሳሊ ናይ ምሕታት ኣገባብ ተጠቐሙ። ከምኡ’ውን ብጀካ ኢ-መይሎም ውልቃዊ ዝርዝር ናይቲ ተማሃራይ ሃቡ። ንሕና መረጋገጺ ንኽንሰደልኩም ኢ-መይል ኣድራሻኹም ትህቡና። እቲ ሕቶ ብቶም ዝቐርቡ መገድታት ክፍሊት ክስነ ይግባእ።

ኣገዳሲ

ንተማሃራይ A ሕቶ ምቕራብን ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ንተምሃራይ B ነዚ ምቕያርን ኣይፍቀድን እዩ። ፈተናታት ኣብ CBR ክትሓቱን ተርጎምቲ ክትሓቱ ዘለኩም ድማ ተማሃራይኩም ‘ድሉው’ እንተኾይኑ ጥራይ እዩ።

ኣብያተ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና እውን እንተወሓደ ቅድሚ ፈተና ክልተ ሰሙን ነቲ ኣገልግሎት ተርጓሚ ክሕዙ ይግባእ። ሕቶታት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣይንውድኦን ኢና።

ንእሽቶ ለውጢ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ፣ ንኣብነት ፈተና ናብ ድሒሩ ዝመጽእ ግዜ እንተተዛዊሩ፣ ወይ ዕለት ልደት ብትኽክል እንተዘይተመሊኡ፣ እንተወሓደ ቅድሚ ፈተና 72 ሰዓታት ብዘይ ክፍሊት ክትሕብሩና ትኽእሉ ኢኹም።

ተማሃሮኹም ኣብ መጀመርታ ፈተና ዝተዋህበ ዕድል ተጠቒሞም ነቲ ተርጓሚ ከም ዝርድእዎን ምስኦም ምቹእነት ከም ዝስምዖምን ከረጋግጹ ኣዘኻኽርዎም።